エピソード

  • ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (15 ሓምለ 2025)
    2025/07/15
    ** ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነሰ ምስ ፕረዚደንት ቻይና ሺ ጂንፒንግ ሎሚ [ሰሉስ 15 ሓምለ] ኣብ በይጂንግ ክራኸብ እዩ... ** ዩክሬን ነቲ ዶናልድ ትራምፕ “ቪላድሚር ፑቲን ኣብ ዉሽጢ 50 መዓልቲ ነቲ ኲናት ደው ከብሎ” ዝሃቦ መጠንቀቕታ ምላሽ ሂባትሉ... ** ኣብ ቱር ዲ ፍራንስ ኣየርላንዳዊ በን ሄሊ ብጫ ማልያ ለቢሱ።
    続きを読む 一部表示
    5 分
  • ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (14 ሓምለ 2025)
    2025/07/14
    ን ሎሚ 14 ሓምለ 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ኣብ ምዕራባዊ ኣውስትራልያ ፡ ከባቢ ፒልባራ ዝርከብ ጥንታዊ ናይ ከውሒ ኣሳእል ፡ ኣብ መዝገብ ዓለማዊ ውርሻ ዩኔስኮ ተመዝጊቡ ። ብዛዕባ’ዚ ዝስዕብ ጸብጻብ ከም ዝሕብሮ ፡ እቲ ኣብቲ ቦታ ዝርከብ ናይ ኣኻውሕ ስእልታት ቅድሚ ኣብ ጥንታዊት ግብጺ ወይ ኣብ ሃጸያዊ ግዝኣት ሮሜ ዝነበረ ነገራት ንላዕሊ ዝጠንተወ እዩ ። ነዚ ዝምልከት ዜናዊ ጸብጻብ ኣለና። ል ኡኽና ዝሰደደልና ኤርትራ ፡ ኮሌጅ ስነ-ፍልጠት ማይ-ነፍሒ፡ አስታት 300 ተማሃሮ ብዲግሪ ኣመሪቓ፡ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራን ግብጽን፡ ናይ ስልኪ ርክብ ኣካይዶም፡ ተቓዋሚ ውድብ #ሳልሳይ_ወያነ ትግራይ ንመጠንቀቕታ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኮኒኑ። ብደረጃ ትግራይ ኩሉ ዝሓቖፈ ዘተ ክካየድ ውን ተማሕጺኑ ። ኣብ መንጎ ትግራይን ፌደራልን ዘሎ ወጥሪ ንምህዳእ ጻዕርታት ይግበር ከም ዘሎ ተገሊጹ። ኣመሪካ ንኢትዮጵያውያን እትህቦ ቪዛ ናብ ሰለስተ ወርሒ ኣሕጺራ ። ዜናታት ስፖርትን ቃለ መሕትትን ኣለና። ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሃቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም፡ ኣርእስታት ዜና፥ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነሰ ኣብ ቻይና ዝገብሮ ዘሎ ምብጻሕ ብምቕጻል ሎሚ [14 ሓምለ] ኣብ ሻንጋይ ምስ ሰበስልጣን ቻይና ርክብ ክገብር እዩ፡ ጀርመናዊት ተጓዓዚት ካሮላይና ዊልጋ ንዓሰርተ ሓደ ለይቲ ኣብ ምዕራባዊ ኣውስትራሊያ ጣሻታት ጠፊኣ ድሕሪ ምቕናይ ተረኺባ ኣብ ሆስፒታል ኣብ ርጉእ ኩነታት ከም ትርከብ ተፈሊጡ ። ኣብ ባይታ ቴኒስ ፡ ኣብ ዊምበልደን መፈጸምታ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ዉድድራት ቴኒስ ጃኒክ [ያን-ኒክ] ሲንነር ነቲ ዓብዪ መቐናቕንቱ ካርሎስ ኣልካርታዝ ስዒርዎ ።
    続きを読む 一部表示
    53 分
  • ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (14 ሓምለ 2025)
    2025/07/14
    ኣርእስታት ዜና፥ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነሰ ኣብ ቻይና ዝገብሮ ዘሎ ምብጻሕ ብምቕጻል ሎሚ [14 ሓምለ] ኣብ ሻንጋይ ምስ ሰበስልጣን ቻይና ርክብ ክገብር እዩ፡ ጀርመናዊት ተጓዓዚት ካሮላይና ዊልጋ ንዓሰርተ ሓደ ለይቲ ኣብ ምዕራባዊ ኣውስትራሊያ ጣሻታት ጠፊኣ ድሕሪ ምቕናይ ተረኺባ ኣብ ሆስፒታል ኣብ ርጉእ ኩነታት ከም ትርከብ ተፈሊጡ ። ኣብ ባይታ ቴኒስ ፡ ኣብ ዊምበልደን መፈጸምታ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ዉድድራት ቴኒስ ጃኒክ [ያን-ኒክ] ሲንነር ነቲ ዓብዪ መቐናቕንቱ ካርሎስ ኣልካርታዝ ስዒርዎ ።
    続きを読む 一部表示
    13 分
  • ቢንያም ግርማይ ኣብ ዙር ፈረንሳ ነጥቡ ኣመሓይሹ፣ ሄኖክ ምሉእብርሃን ኣብ ቻይና ሻምፒዮን ኮይኑ፣ ቸልሲ ሻምፒዮን ዋንጫ ዓለም ክለባት ኮይና፣
    2025/07/13
    ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (14/07/2025) * ቅድድም ብሽግለታ ዙር ፈረንሳ ብመሪሕነት ታደይ ፖጋቻር 9ይ መድረኹ ብምክያድ ይቕጽል ኣሎ፣ ቢንያም ግርማይ ኣብ ምድብ ንነጥቢ ወይ ቀጠልያ ማልያ ሳልሳይ ኮይኑ ፍልልዩ ምስ ታደይ ኣጽቢቡ፣ * ሎሚ ዓመት ኤርትራዊ ገዲም ተቐዳዳማይ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት ፈላማይ ጸሊም ኣፍሪቃዊ ማልያ ንጉስ ዓቐበት ወይ ፖልካ ዶት ጀርዚ ዝለበሰ ብምዃን ታሪኽ ዝሰርሓሉ 10ይ ዓመቱ ይበዓል ኣሎ፣ * ቅድድም ብሽግለታ ዙር ማግኒፊሰንት ቺንግሃይ ብዓወት ኤርትራዊ ሄኖክ ምሉእብርሃን ተዛዚሙ፣ * ኣብ ግጥማት ዋንጫ ዓለም ክለባት ቸልሲ ንፔኤስጂ ስዒራ ተዓዋቲት ኮይና፣
    続きを読む 一部表示
    9 分
  • ኣብ ምዕራባዊ ኣውስትራልያ ፡ ከባቢ ፒልባራ ዝርከብ ጥንታዊ ናይ ከውሒ ኣሳእል ፡ ኣብ መዝገብ ዓለማዊ ውርሻ ዩኔስኮ ተመዝጊቡ ።
    2025/07/13
    ኣብ ምዕራባዊ ኣውስትራልያ ፡ ከባቢ ፒልባራ ዝርከብ ጥንታዊ ናይ ከውሒ ኣሳእል ፡ ኣብ መዝገብ ዓለማዊ ውርሻ ዩኔስኮ ተመዝጊቡ ። ባህላውያን ወነንቲ እቲ ውሳነ ኣብዝግለጸሉ ስነ ስርዓት ንምስታፍ ናብ ፓሪስ ተጓዒዞም ፣ ኣብኡ ድማ ኣባል ሃገራት ን መልክኣ ምድሪ ባህላዊ ሙሩጁጋ ኣብ መዝገብ ዩኔስኮ ክኣቱ ብምሉእ ድምጺ ወሲነን ። እዚ ዝስዕብ ጸብጻብ ከም ዝሕብሮ ፡ እቲ ኣብቲ ቦታ ዝርከብ ናይ ኣኻውሕ ስእልታት ቅድሚ ኣብ ጥንታዊት ግብጺ ወይ ኣብ ሃጸያዊ ግዝኣት ሮሜ ዝነበረ ነገራት ንላዕሊ ዝጠንተወ እዩ ።
    続きを読む 一部表示
    7 分
  • ኣመሪካ ንኢትዮጵያውያን እትህቦ ቪዛ ናብ ሰለስተ ወርሒ ኣሕጺራ ።
    2025/07/13
    ኤርትራ ፡ ኮሌጅ ስነ-ፍልጠት ማይ-ነፍሒ፡ አስታት 300 ተማሃሮ ብዲግሪ ኣመሪቓ፡ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራን ግብጽን፡ ናይ ስልኪ ርክብ ኣካይዶም፡ ተቓዋሚ ውድብ #ሳልሳይ_ወያነ ትግራይ ንመጠንቀቕታ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኮኒኑ። ብደረጃ ትግራይ ኩሉ ዝሓቖፈ ዘተ ክካየድ ውን ተማሕጺኑ ። ኣብ መንጎ ትግራይን ፌደራልን ዘሎ ወጥሪ ንምህዳእ ጻዕርታት ይግበር ከም ዘሎ ተገሊጹ። ኣመሪካ ንኢትዮጵያውያን እትህቦ ቪዛ ናብ ሰለስተ ወርሒ ኣሕጺራ
    続きを読む 一部表示
    6 分
  • "ሰብኣይን ሰበይትን ማዕረ ኢኻ፣ እቲ ማዕርነትካ ግን ግቡእካ እናፈጸምካ'ዩ" - ዕላል ምስ ክኢላ ስነልቦና ዮሃንስ ፈርናንዲኖ ድራር (2ይ ክፋል)
    2025/07/11
    ኣቶ ዮሃንስ ፈርዲናንዶ ድራር ኣብ ከተማ ኦታዋ፡ ካናዳ፡ ዝነብር ኤርትራዊ ካናዳዊ ኮይኑ ናይ ሓያሎ ዓመታት ተሞክሮ ዘለዎ ክኢላ ስነልቦና’ዩ። ብዛዕባ ጥዕና ኣእምሮ ኣብ ዝተፈላለዩ ህዝባውያን መድረኻት ብዙሕ ኣስተምህሮን ምኽርን ዝህብን ዝጽሕፍን’ዩ። ዝሓለፈ ዓመት 'መባእታዊ ትምህርቲ ጥዕና ኣእምሮ' ትብል መጽሓፍ ኣዳልዩ ንሕትመት ኣቕሪቡ። ኣብ ዙርያ ጥዕና ኣእምሮ፣ ጽልዋታት ስደትን ሓድሽ ናብራን፣ ህጻናትን መንእሰያትን፣ ወዘተ ኣብ ቀዳማይ ክፋል ዕላልና (https://www.sbs.com.au/language/tigrinya/ti/podcast-episode/sbs-tigrinya-interview-07072025/xu404i9ak) ዳህሲስናዮም ኣለና። ኣብ'ዚ ካልኣይ ክፋል ድማ ንዘቤታዊ ዓመጽ፣ ሓዳርን ርድኢት ማዕርነት ኣብ መጻምድትን፣ ፍትሕ፣ ምጥቃም ዘይሕጋውያን ነገራትን መስተን ኣብ መንእሰያት ፣ ብዕድመ ዝደፍኡ ኣባላት ማሕበረሰብ ዘለውዎም ብድሆታት፣ ወዘተ ብሓፈሽኡ ኣዕሊልናሎም ኣለና። ሰናይ ምክትታል።
    続きを読む 一部表示
    12 分
  • ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (10 ሓምለ 2025)
    2025/07/10
    ቀጥታ ምሉእ ፈነወ ኤስቢኤስ ትግርኛ (ሓምለ 10, 2025) * ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ፣ ጸብጻባት ልኡኽና፣ * ኤርትራ ብዙሕ ከባቢታት ትግራይ ተቖጻጺራ ምህላዋ ፍሉይ ራፖርተር ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ኣረጋጊጹ፣ * ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጲያ ኣቶ ቢንያም በርሀ ምስ ሓለፍቲ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ቁጠባዊ ኮሚሽን ኣፍሪቃ ርክብ ኣካይዱ፣ * ኣብ ኣሜሪካ ዋሺንግተን ዲሲ ዝርከቡ ዲያሰፖራ ተጋሩ ዓብይ ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዶም፣ * መራሒ ኢዜማ ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋ ኣብ ዝመጽእ መረጻ ኢትዮጵያ ከም ዘይሳተፍ ኣፍሊጡ: ቃለመሕትት፣ * ኣቶ ዮሃንስ ፈርዲናንዶ ድራር ኣብ ከተማ ኦታዋ፡ ካናዳ፡ ዝነብር ኤርትራዊ ካናዳዊ ኮይኑ ናይ ሓያሎ ዓመታት ተሞክሮ ዘለዎ ክኢላ ስነልቦና’ዩ። ብዛዕባ ጥዕና ኣእምሮ ኣብ ዝተፈላለዩ ህዝባውያን መድረኻት ብዙሕ ኣስተምህሮን ምኽርን ዝህብን ዝጽሕፍን’ዩ። ዝሓለፈ ዓመት 'መባእታዊ ትምህርቲ ጥዕና ኣእምሮ' ትብል መጽሓፍ ኣዳልዩ ንሕትመት ኣቕሪቡ። ኣብ ዙርያ ጥዕና ኣእምሮ ዕላል ከነካይድ ዓዲምናዮ’ለና። ሶኑይ ዝጀመርናዮ ቀዳማይ ክፋል መቐጸልትኡ ሎሚ ክቐርብ’ዩ። * ካብ ገዛ ዝካየድ ንግዲ ከም ሓሳብ ንብዙሓት ሰሓቢ ክኸውን ይኽእል'ዩ። ወጻኢታት ዝቕንስ፡ ክትተዓጻጸፍ ዕድል ዝህብን ንብዙሓት ዝዓይነቶም ሞያታት ዝጥዕም፡ ከምኡ'ውን ካብ ቤት ጽሕፈት ጥራይ ክካየድ ግድን ዘይኮነን'ዩ። ልክዕ ከም ካልኦት ንግድታት ግን ክትክተልዎም ዘለኩም መምርሒታት ኣለዉ። ንኣውስትራልያ ኣብ ንገልጸሉ ትሕዝቶ ካብ ገዛ ዝካየድ ንግዲ ክትከፍቱ ክትሓስቡ'ንከለኹም ኣብ ግምት ከተእትውዎም ብዛዕባ ዘለኩም መሰረታውያን ሕግታትን ትኽተልዎም ቀንዲ ስጉምቲታትን ክቐርቡ’ዮም። ዜናታት ናይ ዝሓለፈ ሰሙን
    続きを読む 一部表示
    48 分